Tigrigna
English
Español

ሓጺር መግለጺ ኣድቨርብ (ተውሳከ-ግሲ)

ኣድቨርብ ብሓጺሩ ንሓደ ኣድጀክቲቭ (ቅጽል) ወይ ከኣ ቨርብ (ግሲ) ዘመዓራሪ እዮ። ዘመዓራሪ፤ ክንብል እንከሎና ተወሳኽን ፍልይ ዝበለን ትርጉም ዝህብ ቃል ማለት እዪ። ንኣብነት እቲ ወዲ ቀልጢፉ ከይዱ ኣብ ዝብል ምሉእ ሓሳብ እታ ቀልጢፉ ትብል ቃል ነቲ ከይዱ ዝብል ቃል ተወሳኺ ትርጉም ስለ ዝህቦ/ዝውስኸሉ ኣድቨርብ (ተውሳከ-ግሲ) ኢልና ክንጽዉዖ ንኽእል። ብተወሳኺ

ብእምነት ነታ መኪና ብጥንቃቐ ዘዊሩዋ

ኣብ ዝብል ምሉእ ሓሳብ እታ ብጥንቃቐ እትብል ቃል ነቲ ዘዊሩዋ ዝብል ቨርብ ስለዘመሓየሾ ወይከኣ ትርጉም ስለዝዉስኸሉ ኣድቨርብ ክንብሎ ንኽእል በተመሳሳሊ እቲ ቆልዓ ከይዱ ኣብ ዝብል ዘረባ ግን እቲ ቖልዓ ከም ዝኸደ ደኣ’ምበር ክንደይን፤ ኣበይን፣ ብኽመይን፡ መዓስን፤ ከምዝኸደ ዝገልጽ ኣድቨርብ የብሉን ክንብል ንኽእል። ነቲ ኣብነት ኣድቨርብ ክንዉስኸሎ ምስ እንደሊ ግና፣ ዝኾነ ናይቲ ቆልዓ ኣካይዳ ዝገልጽ ቃል መሪጽና፡ ከም ኣብነት እቲ ቆልዓ ብታህዋኽ ከይዱ ክንብል ንኽእል፥፥ ኣብዚ፤ እቲ ታህዋኽ ዝብል ቃል እምበኣር ነቲ ከይዱ ዝብል ቨርብ ብኸመይ ከም ዝኸደ ስለ ዝገለጽ ኣድቨርብ ይበሃል።

ካብዚ ቀሊል ኣብነት ንመሃሮ፤ ኣድቨርብ ንሓደ ኣድጀክቲቭ ወይ ከኣ ቨርብ ሓሓንሳብ ከኣ ንባዕሉ ነቲ አጀክቲቭ ዘዐርይ ወይዉን ትርጉም ዝዉስኽ ቃል እዩ። ኣብ ቋንቋ ፈረንሳይ ኣድቨርብ ዝበዝሐ እዋን ብ (ment) ነቲ ኣድጀክቲቭ ብ ምዉሳኽ ክስራሕ ይክእል እዚ ነቲ ፈሚኒን (ንኣንስተይቲ ፎርም) ይምልከት።

ንምሳሌ ኣብ ፈረንሳይ ቀስ ትብል ቃል (lent) ንወዲ፤ ንጓል እንተኾኑ ከኣ (lente)ንብል። እዚ ማለት ከኣ እቲ ኣድቨርብ ነቲ ናይ ጓል ፎርም (lente) ብምዉሳኽ ክነሰርሖ ንኽእል። ካብዚ ተመርኵስና ቍስ ኢላ እያ ትዛረብ ንዝብል ሓሳብ elle parle lentement ኢልና ክንትርጉሞ ንኽእል

እዚ ማለት ግን ኩሉ ኣድቨርብ ብ (ment) እዮ ዝውድእ ማለት ኣይኮነን። ንኣብነት ኣነ ቅድሜኻ መጺኤ ወይከኣ እታ ፖስታ ሎሚ ሰዲደያ ኣብ ዝብል ዘረባ እቶም ቅድሜኻ, ሎሚ ዝብሉ አድቨርብ ነናቶም ቃላት devant, aujourd'hui ዝብሉ ኣለዎም

እዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ኣዝዩ ዉሑድ ኣስተምህሮ ናይ ኣድቨርብን ዘይተወደአ መግለጽታት ሰለ ዘለዎ ንሙሉእ ተምህርቲ ብቑዕ ኣይኮነን

እዞም ዝስዕቡ ኣብ መዓልታዊ ናብራ ክጠቕሙና ዝኽእሉ ናይ ኣድቨብ ሊስት እዮም

ኣድቨርብ ብፈረንሳይ ኣናብባ ትርጉም
devant ደቫን ብቅድሚት ፥ ቅድሚ
pas mal de ፓ፡ማል፡ደ ዉሑድ
à peine ኣ ፐን ዘይ እኹል፥ ዘይ ጠቅም
en bas ኣን ባ ታሕቲ
petit à petit ፐቲ ኣ ፐቲ በብቑሩብ
actuellement ኣክቱኤልሞ ሕጂ ፧ ኣብዚ ሰዓት
peut-être ፐተትኽ ምናልባት
encore ኣንኮኽ እንደገና
plus ፕሉ ምዉሳኽ ፥ ተወሳኺ
alors ኣሎኽ እሞ
enfin አንፋን ኣብ መወዳእታ
précédemment ፕረሰድሞ ቅድሚ | ቀቅድሚ
après ኣፕኸ ዳሕራይ
premièrement ፕኸሚየር ሞ ብመጀመርታ
aujourd'hui ኦዦር ድዊ ሎሚ | ሎማዓንቲ
près ፕኸ ጥቓ
auparavant ኡፓራቮ ቅደም (ንግዜ ዝምልከት)
franchement ፍራንሽሞ ብሓቂ | ብትኽክል
gentiment ዦንቲሞ ብትሕትና ፧፧ ርግእ ብዝብለ
autour ኡቱኽ ኣብ ዙርያ (ንመገዲ | ቦታ)
immédiatement ኢሚድየትሞ ብህጹጽ
quelquefois ኬልከፚ ሓሓንሳብ
beacoup (de) ቡኩ ደ ቡዙሕ | ብዝሕ ዝበለ
rapidement ኻፒድሞ ብቕልጡፍ
bien ቢየን ጽቡቕ
jamais ዣሜ ፍጹም | ብፍጹም
la majorité (de) ላ ማዦሪቴ ደ ዝብዝሐ ክፋል
sérieusement ሰኽዮስሞ ቁምነገር | ብዘይ ምልጋጽ
combien (de) ኮምቢያ ደ ክንደይ (ንዋጋ | ቁጽሪ ንምፍላጥ)
la plupart de ላ ፕሉፓኽ ደ ዝበዝሐ | ዝበዝሐ ክፋል
là-bas ላ ባ ኣብቲ
suffisamment ሱፊዛሞ እኹል | ብቑዕ
d'abord ዳ ቦ ፋልማይ | ብፋልማይ
lentement ለንተሞ ቀስ | ብቐስ
surtout ሱኽቱ ብፍላይ
d'ailleurs ዳየኽ ከማን | ወረገይ | ድማ
loin ልዋ ርሑቕ
de temps en temps ደ ታንዝ-እን-ታ ካብ ግዜ ናብ ግዜ
longtemps ሎንቶ ነዊሕ እዋን
maintenant መተኖ ሕጂ
toujours ቱጁኽ ኩልጊዜ