ሓጺር መግለጺ ኣድቨርብ (ተውሳከ-ግሲ)
ኣድቨርብ ብሓጺሩ ንሓደ ኣድጀክቲቭ (ቅጽል) ወይ ከኣ ቨርብ (ግሲ) ዘመዓራሪ እዮ። ዘመዓራሪ፤ ክንብል እንከሎና ተወሳኽን ፍልይ ዝበለን ትርጉም ዝህብ ቃል ማለት እዪ። ንኣብነት እቲ ወዲ ቀልጢፉ ከይዱ ኣብ ዝብል ምሉእ ሓሳብ እታ ቀልጢፉ ትብል ቃል ነቲ ከይዱ ዝብል ቃል ተወሳኺ ትርጉም ስለ ዝህቦ/ዝውስኸሉ ኣድቨርብ (ተውሳከ-ግሲ) ኢልና ክንጽዉዖ ንኽእል። ብተወሳኺ
ብእምነት ነታ መኪና ብጥንቃቐ ዘዊሩዋኣብ ዝብል ምሉእ ሓሳብ እታ ብጥንቃቐ እትብል ቃል ነቲ ዘዊሩዋ ዝብል ቨርብ ስለዘመሓየሾ ወይከኣ ትርጉም ስለዝዉስኸሉ ኣድቨርብ ክንብሎ ንኽእል በተመሳሳሊ እቲ ቆልዓ ከይዱ ኣብ ዝብል ዘረባ ግን እቲ ቖልዓ ከም ዝኸደ ደኣ’ምበር ክንደይን፤ ኣበይን፣ ብኽመይን፡ መዓስን፤ ከምዝኸደ ዝገልጽ ኣድቨርብ የብሉን ክንብል ንኽእል። ነቲ ኣብነት ኣድቨርብ ክንዉስኸሎ ምስ እንደሊ ግና፣ ዝኾነ ናይቲ ቆልዓ ኣካይዳ ዝገልጽ ቃል መሪጽና፡ ከም ኣብነት እቲ ቆልዓ ብታህዋኽ ከይዱ ክንብል ንኽእል፥፥ ኣብዚ፤ እቲ ታህዋኽ ዝብል ቃል እምበኣር ነቲ ከይዱ ዝብል ቨርብ ብኸመይ ከም ዝኸደ ስለ ዝገለጽ ኣድቨርብ ይበሃል።
ካብዚ ቀሊል ኣብነት ንመሃሮ፤ ኣድቨርብ ንሓደ ኣድጀክቲቭ ወይ ከኣ ቨርብ ሓሓንሳብ ከኣ ንባዕሉ ነቲ አጀክቲቭ ዘዐርይ ወይዉን ትርጉም ዝዉስኽ ቃል እዩ። ኣብ ቋንቋ ፈረንሳይ ኣድቨርብ ዝበዝሐ እዋን ብ (ment) ነቲ ኣድጀክቲቭ ብ ምዉሳኽ ክስራሕ ይክእል እዚ ነቲ ፈሚኒን (ንኣንስተይቲ ፎርም) ይምልከት።
ንምሳሌ ኣብ ፈረንሳይ ቀስ ትብል ቃል (lent) ንወዲ፤ ንጓል እንተኾኑ ከኣ (lente)ንብል። እዚ ማለት ከኣ እቲ ኣድቨርብ ነቲ ናይ ጓል ፎርም (lente) ብምዉሳኽ ክነሰርሖ ንኽእል። ካብዚ ተመርኵስና ቍስ ኢላ እያ ትዛረብ ንዝብል ሓሳብ elle parle lentement ኢልና ክንትርጉሞ ንኽእል
እዚ ማለት ግን ኩሉ ኣድቨርብ ብ (ment) እዮ ዝውድእ ማለት ኣይኮነን። ንኣብነት ኣነ ቅድሜኻ መጺኤ ወይከኣ እታ ፖስታ ሎሚ ሰዲደያ ኣብ ዝብል ዘረባ እቶም ቅድሜኻ, ሎሚ ዝብሉ አድቨርብ ነናቶም ቃላት devant, aujourd'hui ዝብሉ ኣለዎም
እዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ኣዝዩ ዉሑድ ኣስተምህሮ ናይ ኣድቨርብን ዘይተወደአ መግለጽታት ሰለ ዘለዎ ንሙሉእ ተምህርቲ ብቑዕ ኣይኮነንእዞም ዝስዕቡ ኣብ መዓልታዊ ናብራ ክጠቕሙና ዝኽእሉ ናይ ኣድቨብ ሊስት እዮም
ኣድቨርብ ብፈረንሳይ | ኣናብባ | ትርጉም |
devant | ደቫን | ብቅድሚት ፥ ቅድሚ |
pas mal de | ፓ፡ማል፡ደ | ዉሑድ |
à peine | ኣ ፐን | ዘይ እኹል፥ ዘይ ጠቅም | en bas | ኣን ባ | ታሕቲ |
petit à petit | ፐቲ ኣ ፐቲ | በብቑሩብ |
actuellement | ኣክቱኤልሞ | ሕጂ ፧ ኣብዚ ሰዓት |
peut-être | ፐተትኽ | ምናልባት |
encore | ኣንኮኽ | እንደገና |
plus | ፕሉ | ምዉሳኽ ፥ ተወሳኺ |
alors | ኣሎኽ | እሞ |
enfin | አንፋን | ኣብ መወዳእታ |
précédemment | ፕረሰድሞ | ቅድሚ | ቀቅድሚ |
après | ኣፕኸ | ዳሕራይ |
premièrement | ፕኸሚየር ሞ | ብመጀመርታ |
aujourd'hui | ኦዦር ድዊ | ሎሚ | ሎማዓንቲ |
près | ፕኸ | ጥቓ |
auparavant | ኡፓራቮ | ቅደም (ንግዜ ዝምልከት) |
franchement | ፍራንሽሞ | ብሓቂ | ብትኽክል |
gentiment | ዦንቲሞ | ብትሕትና ፧፧ ርግእ ብዝብለ |
autour | ኡቱኽ | ኣብ ዙርያ (ንመገዲ | ቦታ) |
immédiatement | ኢሚድየትሞ | ብህጹጽ |
quelquefois | ኬልከፚ | ሓሓንሳብ |
beacoup (de) | ቡኩ ደ | ቡዙሕ | ብዝሕ ዝበለ |
rapidement | ኻፒድሞ | ብቕልጡፍ |
bien | ቢየን | ጽቡቕ |
jamais | ዣሜ | ፍጹም | ብፍጹም |
la majorité (de) | ላ ማዦሪቴ ደ | ዝብዝሐ ክፋል |
sérieusement | ሰኽዮስሞ | ቁምነገር | ብዘይ ምልጋጽ |
combien (de) | ኮምቢያ ደ | ክንደይ (ንዋጋ | ቁጽሪ ንምፍላጥ) |
la plupart de | ላ ፕሉፓኽ ደ | ዝበዝሐ | ዝበዝሐ ክፋል |
là-bas | ላ ባ | ኣብቲ |
suffisamment | ሱፊዛሞ | እኹል | ብቑዕ |
d'abord | ዳ ቦ | ፋልማይ | ብፋልማይ |
lentement | ለንተሞ | ቀስ | ብቐስ |
surtout | ሱኽቱ | ብፍላይ |
d'ailleurs | ዳየኽ | ከማን | ወረገይ | ድማ |
loin | ልዋ | ርሑቕ |
de temps en temps | ደ ታንዝ-እን-ታ | ካብ ግዜ ናብ ግዜ |
longtemps | ሎንቶ | ነዊሕ እዋን |
maintenant | መተኖ | ሕጂ |
toujours | ቱጁኽ | ኩልጊዜ |