Tigrigna
English
Español

ሓጺር መግለጺ ቨርብ (ግሲ)

ቨርብ (ወይከኣ ብትግርኛ፡ ግሲ) ማለተ ንሓደ ምሉእ ሓሳብ እቲ ቀንዲ ትርጉም ዝህቦ ቃል እዩ። ንምሳሌ ኣብዚ

ሎሚ ሳሌም ናብ ኣስመራ

ዝብል ሓሳብ እቲ ዘይሙሉእ ዝገበሮ እቲ ከይዳ ዝብል ቨርብ ስለዝይብሉ እዩ፥፥ ብተመሳሳሊ አብዚ ዝቕጽል ኣብነት

ኣነ ትማሊ ኩዕሶ ምስ የዕሩኽተይ

ኣብ ዝብል ዘይሙሉእ ሓሳብ ተጻዊተ ብምዉሳኽ ከነዕርዮ ንኽእል። ስለዚ ቨርብ ክንብሎ ንኽእል እቲ ኣክሽን ወይ ከኣ እቲ ቀንዲ ክፋል ናይቲ ዘረባ እዩ። መብዛሕቲኡ ግዜ (እንታይ ተጌሩ ?) ንዝብል ሕቶታት ከኣ ይምልስ፥ በሊዑ, ሰትዩ, ሓሚሙ, ከይዱ, ተዛሪቡ, ኢሉ, ሰሚዑ, ዘዊሩ, ወዲቑ ወዘተ... ኩሎም ቨርብ እዮም። ኩሎም እቲ ህሞት ወይ ከኣ እቲ ቀንዲ ትሕዝቶ ናይቲ ዘረባ ስለዝገልጹ።

ቨርብ ብዙሕ ኣተረጓጉማን ጨናፍርን እኳ እንተለዎ ኣብዚ ግና ብሰለስተ ክፋል ክንገልጾ ኢና፥፥ ሱር (root) 1 መሰረት (infinitive)2 ኣለቓቕባ (conjugation)3

ሱር ማለት እቲ ሱር ይቲ ቨርብ እዩ፥፥ ኣብ ትግርኛ ንኣብነት፡ (ድቃስ፥ ብልዒ፥ ጸወታ፥ ጉያ፥ ዘረባ) ክኾኑ እንከለዉ

መሰረት ከኣ ኣብ ትግርኛ ዳርጋ ኩሉ ጊዜ ብ ከኣ ይጅምሩ፥፥ ንኣብነት (ድቃስ፥ ብላዕ፥ ጽዋት፥ ጉያይ፥ ዝራብ)

ኣለቓቕባ ግና ብሓጺሩ ሓደ ቨርብ ንኣብነት ምጽዋት ከመይ ጌርና ናብ (ተጻዊቱ፣ ክጻወት፥ እንዳተጻወተ፥... ) ንቕይሮ ዝሕግዘና ሕጊ እዩ

ኣብ ትግርኛ እቲ (መሰረት) ኣኳ ኩልጊዜ እንተጀመረ ኣብ ፈረንሳይ ግን ፍልይ ዝበለ እዩ

ኣብ ቋንቋ ፈረንሳይ እቶም ቴስዓ ካብ ሚእቲ ቨርብ ድማ ብሰለስተ ፊደላት (er, re, ir) ይዉድኡ፥ እዚኣቶም ከኣ እቲ ሕጊ ዝኽተሉ ወይከኣ (regular verbs) ቅኑዓት ቨረብ ይበሃሉ። ንምሳሌ Parler (ምዝራብ), Prendre (ምዉሳድ) , Finir (ምዉዳእ) እዞም ሰለስተ ቨርብ በቶም ሰለስተ ዝጠቐስናዮም ፊደላት ይዉድኡ። እዚ ኣዝዩ ኣገዳሲ ሓበሬታ እዩ፣ ስለምንታይ በዚ ሓበሬታ ተመርኲስና ናይ ኩሎም ብ (er, re, ir) ፊደላት ዝዊድኡ ቨርብታት በቐሊሉ ኣለቓቒብና ሙሉእ ሓሳብ ክንሰርሓሎም ስለ ዝሕግዘና።

ብሓጺሩ ኣብ ትግርኛ መሰረት ናይ ቨርብ ንኣብነት (ምሻጥ) እንተ ወሲድና ሸይጠ ፥ ሸይጥካ ፥ ሸይጥኪ ፥ ሸይጡ ፥ ሸይጣ ፥ ሸይጦም ፥ ሸይጥና, ሸይጥኩም ወዘተ... እናበለ ክቀያየር ይኽእል እቲ ምሻጥ ዝበል ኢንፊኒቲቭ (infinitif) ቨርብ ይበሃል ናብ ሸይጠ ፥ ሸይጥካ ፥ ሸይጥኪ... ዝቀያየረሉ መገዲ ከኣ conjugaison ኮንጁገሶን ይበሃል

እዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ናይቶም ብ er, re, ir ዝውድኡ ቨርብ ፕረዘንት ተንስ ኮንጁጌሶን እዮም

ፕሮናዉን re er ir
je s e is
tu s es is
il t e it
elle t e it
nous ons ons issons
vous ez ez issez
ils ent ent issent
elles ent ent issent

ብሓጺሩ እቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ፣ ብዛዕባ ሕጂ (ፕረዘንት ተንስ: present tense) ንገብሮ ዘለና ነገር ንኽንገልጽ ይጠቕመና። ነዚ ክንጥቀመሉ ከኣ ናይቲ ቨርብ ሱር ብቲ ናቱ ኣለቓቕባ ብምትካእ እዮ።

ካብዚ ላዕሊ ተመርኵስና ሕጂ ንኣብነት ብፈረንሳይ ኣነ እበልዕ ኣለኹ ክትብል እንተደሊኻ፤ መጀመርታ እቲ ኣነ ዝብል ፕሮናዉንje ንትክኦ. ዝተርፈና ዘሎ እቲ እበልዕ ኣለኹዝብል ቨርብ እዩ፥፥ ኣብ ፈረንሳይ ናይ ምብላዕ ቨርብ manger እዩ፥፥ እቲ ሱር (root) ከኣ mang ይኸዉን። እምበኣር ካብቲ ሰለዳ ናይ ኣነ je ስም ግና ነቶም ብ er ዝዉደኡ ቨርብ ኣላቓቕባ ደሊና ናቱ ሱር ንዉስኽሉ ናይ መወዳእታ ዉጽኢቱ ድማ je mange ይኸዉን

እዚ ኣብ ላዕሊ ተጥቒሱ ዘሎ ኣዝዩ ቀሊል ክፋል ናይቲ ኮንጁጌሶን እዩ፣ ንዝበለጽ መረዳእታ ካብ መጻሕፍቲ ተወከስ