ሓጺር መግለጺ ግራመር (ሰዋስው)
ቋንቋ ፈረንሳ ከም ኩሉ ዘበለ ቋንቋታት ናቱ ሕግታት ኣለዉዎ። እዚ ሕግታት ግራመር ኢልና ክንጽዉዖ ንኽእል። ግራመር ስለዚ መሰረት ናይ ሓደ ቋንቋ እዩ፣ እዚ መሰርት እዚ እንተ ተኸቲልናዮ ድማ ብዝሓጸረ እዋን ነቲ ቋንቋ ብግቡእ ክንመልኮ ይሕግዘና፤፤
ኣገባብን ሕግታትን ግራመር ኣዝዮም ብዙሓትን ኣብዚ ክንገልጾም ካብ ንኽእል ንላዕሊ እዮም። እዚ ዌብሳይት ከኣ ንጀመርቲ ዝተኣደነ ስለዝኾነ እቶም ሕጂ እንገልጾም (The Eight Parts of Speech) ወይ ድማ እቶም ሸሞንት ክፋላት ናይ ዘረባ ተባሂሎም ዝጽዉዑን ክፋል ናይ ዝኾነ መሰረታዊ ቋንቋ እዮም። ንኣብነት:
ኣነ ቀስ ኢለ ይዛረብ ኣለኹ እቶም ሓደሽቲ ተመሃሮ ኣብቲ ጣዉላ ስለ ዘለዉ።ኣብ ዝብለ ጽሑፍ እቲ ውጽኢቱ በቶም ሸሞንት ክፋላት ናይ ዘረባ ዘተመስረተ ሓደ ነብሱ ዝኸኣለ ምሉእ ሓሳብ አዮ። እዞም ሸሞንተ ክፋላት ነናቶም ስምን ኣጠቓቕማን ከኣ ኣለዎም። ኣበይን፤ መዓስን፤ ከመይን፤ ንጥቀመሎም ምፍላጥ ከኣ ንዝኾነ ቋንቋ ቀልጢፍና ንምሓዝ ይጠቕመና። እምበኣር ካብቲ ላዕለዋይ ኣብነት ተመርኵስና ኣብዚ ታሐቲ እቶም ሸሞንተ ክፋላት ዘረባ እንታይ ይመስሉ እንታይከ ተባሂሎም ይጽዉዑ ክንርዳእ ንኽእል።
1) እቲ ኣነ ዝብል ቃል ካብቶም ፕሮናዉን [ብትግርኛ፡ ክንዲ-ስም] ዝተበሃሉ ክፋላት ዘረባ እዩ
2) ቀስ ዝብል ድማ ኣድቨርብ [ብትግርኛ፡ ተውሳከ-ግሲ] ይበሃል
3) ይዛረብ ኣለኹ ድማ ቨርብ [ብትግርኛ፡ ግሲ] ይበሃል
4) እቶም ድማ ኣርቲክል [ብትግርኛ፡ ኣመልካቲ-ስም] ይበሃል
5) ሓደሽቲ ድማ ኣድጀክቲቭ [ብትግርኛ፡ ቅጽል] ይበሃል
6) ተመሃሮ/ጣዉላ ድማ ናዉን [ብትግርኛ፡ ስም] ይበሃሉ
7) ኣብቲ ድማ ፕሪፖዚሽን [ብትግርኛ፡ መስተዋድድ] ይበሃል
8) ስለ ድማ ኮንጃንክሽን [ብትግርኛ፡ መስተጻምር] ይበሃል
?) ብተወሳኺ መበል ታሽዓይ ብዙሕ ዘይንጥቀመሉ ኢንተርጀክሽን ወይዉን ቃል ኣጋንኖ ዝበሃል እዩ፤፤ እዚ ቃል ኣጋንኖ ንኸምበዓል (እዋይ፤ ከመይ፤ ኣየ፤ እዋእ ) ንዘኣመሰሉ ቃላት ይምልከት፤፤
ነዞም ዝጠቐስናዮም ሸሞንተ ክፋላት ናይ ዘረባ ምፍላጦም ኣዝዩ ኣገዳሲ ስለዝኾነ ንቑሩብ ዝበርሀን ስፈሕ ዝበለን መረዳእታ ኣብታሕቲ ሓደ ብምጥዋቕ ተወከሱ።