ሓጺር መግለጺ ኮንጃንክሽን (መስተጻምር)
ኮንጃንክሽን ንብሎም ቃላት ንሓደ ሓጺር/ነዊሕ ሓሳብ ምስ ካሊእ ሓሳብ ዘላግቡ/ዘላቕቡ ቃላት እዮም። ን ኣብነት፥ ኣነ ባኒ ክገዝእ ኢለ ከይደ ግና እቲ ዱካን ተዓጽዩ ጸኒሑኒ ኣብ ዝብል ቃል እቲ "ግና" ኮንጃንክሽን ይበሃል። እቲ ግና ዝብል ቃል ነቶም ክልተ ነብሶም ዝኸኣሉ ሓሳባት ስለዘለቓቕብ ኮንጃንክሽን / መስተጻምር ይበሃል
ካብዚ ሓሊፉ አዞም ዝቕጽሉ ገለ ካብቶም መስተጻምር ዝበዝሐ ግዜ እንጥቀመሎም እዮም።
| ፕሮናዉን | ኣደማምጻ ብጽሑፍ | ትርጉም ብትግርኛ / ምስ ኣብነት |
| et | ኤ | ን (ኣነ ን ንሳቶምን) |
| ou | ኡ | ወይከኣ / ወይድማ / ወይውን |
| mais | ሜ | ወላኳ / ነገርግና |
| si | ሲ | እንተ / እንተ ኾነ |
| quand | ካን | መዓስ / ኣብቲ እዋን |
| car | ካኽ | ስለዚ / በዚ ምኽንያት |
| comme | ኮም | ከም |
| jamais | ዣሜ | ፍጹም / በፍጹም |
| encore | ኣንኮኽ | ብተወሳኺ |
| rien | ኽየን | ወላሓንቲ ይለን |