Tigrigna
English
Español

ስም ኣካላት ወዲ-ሰብ

እዚ ምዕራፍ ብዛዕባ ኣስማት ኣካላት ወዲ-ሰብ ይገልጽ፡፡

ስም ኣደማምጻ ትርጉም ብትግርኛ ኣደማምጻ ብጽሑፍ ምስ ክንድስሙ (ጾታዊ)
corps ኣካል ሰብ ኮኽ le corps
cheveux ጸጉሪ ሽቨ les cheveux
tête ርእሲ ቴት la tête
visage ገጽ ቪዛዥ le visage
œil ዓይኒ ኦይ un œil
yeux የዒንቲ les yeux
nez ኣፍንጫ le nez
joue ምዕጉርቲ la joue
bouche አፍ ቡሽ la bouche
lèvre ከንፈር ሌቭኽ la lèvre
dent ስኒ la dent
oreille እዝኒ ኦኸይ une oreille
cou ክሳድ le cou
poitrine አፍልቢ ፗትኺን la poitrine
estomac ከብዲ (ስቶማኮ) ኤስቶማ un estomac
épaule ትኽሻ ኤፖል une épaule
coude ኩርዕምቲ le coude
poignet ጉምቦ ፕዋኘ le poignet
main ኢድ la main
doigt አጻብዕቲ (ሓደ) le doigt
ongle ጽፍሪ ግል un ongle
pouce ዓባይቶ ፑስ le pouce
dos ሕቖ le dos
jambe እግሪ la jambe
genou ዓይኒ ብርኪ ዥኑ le genou
cheville ኩርናዕ ሸቪ la cheville
pied እግሪ ፒየ le pied
orteil ኣጻብዕቲ እግሪ (ሓደ) ኦኽተይ un orteil

ብዛዕባ ሕማም ምስ ኣካላት ነብስና ንምግላጽ

ብፈረንሳይኛ አብ ዝተወሰነ ቦታ ሓሚመ ንምባል እቲ ክንድስም ናይቲ ዝሓመምናዮ ክፋል ኣካላትና ብ la, ወይዉን une ዝጅምር እንተኾይኑ ከም ኣብነት (le main = ኢድ, une épaule = ትኽሻ )j'ai mal à ብቕድሚት ወሲኽና (ንኣብነት) j'ai mal à la main (ኢደይ የሕመኒሎ), j'ai mal à l'épaule (ትኽሻይ የሕመኒሎ) ንብል።

ብተመሳሳሊ እቲ ክንድስም ናይቲ ክፋላ ኣካል ዘሕመና ዘሎ ብ le, ወይከኣ ብ un ምስ ዝጅምር ከም (le dos = ሕቖ, un estomac = ከብዲ), j'ai mal au ብምቕዳም j'ai mal au dos (አብ ሕቖይ ሓሚመ) ወይከኣ j'ai mal au estomac (ከብደይ ሓሚመ) ክንብል ይግባእ

ሕማም ኣለኒ ንምባል ግና፣ ዝበዝሕ ጊዘ (je de la ..) ኢልና ነቲ ስም ናይቲ ሕማም ንውስኸሉ, ብተወሳኺ እዞም ዝስዕቡ ቃላት ክንትቀመሎም ንኽእል ኢና።

ቁርጥማት ኣለኒ j'ai de l'arthrite

ዉጽኣት ኣለኒ j'ai la diarrhée

እዝነይ ቃንዛ ይስመዓኒ'ሎ j'ai mal à l'oreille

ረስኒ/ጉንፋዕ ኣላትኒ j'ai de la fièvre

ቃንዛ ርእሲ ኣለኒ j'ai mal à la tête

ቃንዛ ኣፍልቢ j'ai des brûlures d'estomac

ሆሞሮድያ ኣለኒ j'ai des hémorroïdes

ናይ መገዲ ዓቕሊ ጽበት j'ai le mal des transports

ጸረርታ ኣፍንጫ j'ai le nez qui coule

ከብዲ ቅርጸት ኣለኒ j'ai mal à l'estomac

ቃንዛ ስኒ / ኩርምቲ j'ai mal aux dents