ሓጺር መግለጺ ፕሪፖዚሽን (መስተዋድድ)
ፕሪፖዚሽን (መስተዋድድ) ዳርጋ ኩልጊዜ ንቦታን ጊዘን ዝገልጹ ቃልት እዮም። ኣብነት ኣብ ትግርኛ ከም ኣብ፤ ጥቓ፤ ድሕሪ፤ ቅድሚ፤ ብ..፤ ናብ ዝብሉ ቃላት እዮም፥ ምሰተዋድድ ምፍላጥ ኣብ ቦታን ኣንፈት ናይ መገድን ወይ ከኣ ሰዓታን ጊዜን ንምሕታት/ምፍላጥ ኣዝዮም ይጠቕሙና።
እዞም ዝስዕቡ ካብቶም ኣገደስትን ኣብ መዓልታዊ ናብራና ብብዝሒ ክንጥቀመሎም መስተዋድድ እዮም።
ፕሪፖሲሺን (መስተዋድድ) | ኣደማምጻ ብትግርኛ | ትርጉም | |
à | ኣ | ናብ | |
Je vais à Paris / ናብ ፓሪስ ክኽይድየ። | |||
à côté de | ኣ ኮቴ ደ | ጥቓ / ኣብ ጥቓ | |
La maison se trouve à côté de l'église. / እታ ገዛ ጥቓ እቲ በቴ-ክርስትያን ትርከብ። | |||
après | ኣፕኸ | ድሕሪ | |
On va mange après avoir bu. / ድሕሪ መግቢ ኢና ንሰቲ። | |||
jusqu'à | ዡስ ካ | ክሳብ | |
La maison est disponible jusqu'à la fin de la semaine / እታ ገዛ ክሳብ መወዳእታ እዚ ሰሙን ቅርብቲ/ድልውቲ እያ። | |||
avant | ኣቫን | ቅድሚ | |
Je préfère de me coucher avant minuit. / ቅድሚ ፍርቂ ለይቲ ምድቃስ ይሕሸኒ | |||
loin de | ልዋን ደ | ርሕቕ ዝበለ | |
L'école est loin de la plage / እቲ ቤት-ትምህርቲ ካብቲ ገምገም ባሕሪ ርሕቕ ዝበለ እዪ። | |||
avec | ኣቬክ | ምስ | |
Ils sont partis avec leurs familles / ንሶም ምስ ናቶም ቤተ-ሰብ ከይዶም። | |||
malgré | ማልግኼ | ወላኳ | |
Je vais bien malgré le froid / ቁሪ ወላኳ እንተኾነ፣ ኣነ ጽቡቕ ኣለኹ | |||
contre | ኮንትኸ | ምስ / ኣንጻር | |
l'homme s'appuyer contre le mur. / እቲ ወዲ ኣንጻር/ምስቲ መንደቕ ተጸጊዑ | |||
par | ፓኽ | ብ | |
contacter moi par téléphone. / ብ ቴሌፎን ርኸቡኒ። | |||
dans | ዳን | ኣብ ዉሽጢ | |
Les livres sont dans la bibliothèque / እቶም መጻሕፍቲ ኣብቲ ላይብረሪ ዉሽጢ ኣለዉ | |||
parmi | ፓኽሚ | ኣብ መንጎ | |
Paris reste parmi les villes les plus chères au monde. / ፓሪስ ኣብ መንጎ እተን ክባራት ከተማታት ናይ ዓለምና ትርከብ። | |||
de | ደ | ካብ፣ ናይ | |
le livre de Hana / je viens d'Erythrée / እቲ መጽሓፍ ናይ ሃና.. / ኣብ ካብ ኤርትራ እየ ምጺአ። | |||
pendant | ፐንዳን | ን (ንእዋን ዝምልከት) | |
La lune a brillé pendant trois nuits. / እታ ወርሒ ን ሰለስተ መዓልታት ጎሊሓ። | |||
depuis | ደፒዊ | ካብ | |
depuis demain.. / ካብ ጽባሕ ንዳሕራይ | |||
pour | ፑኽ | ን | |
Je l'ai fait pour toi. / ን ዓኻ/ኺ ኢለ እየ ስሪሐያ። | |||
derrière | ደኽየኽ | ድሕሪ / ብድሕሪት | |
les enfants sont derrière l'ècole. / እቶም ቆልዑ ድሕሪ እቲ ቤት-ትምህርቲ ኣለዉ። | |||
près de | ፕረ ኸ | ጥቓ / ኣብ ጥቓ | |
La femme est près de la mairie bibliothèque. / እታ ጓል ኣብቲ ጥቓ እቲ ቤተ-ምጽናዕቲ ኣላ። | |||
devant | ደቫን | ብቕድሚት | |
Garder les yeux sur la route devant vous. / ዓይንኻ ናብቲ ቅድሜኻ ዘሎ ጽርግያ ግበር። | |||
sans | ሳን | ብዘይ / ብጀካ | |
personne ne peut pas aller sans visa. / ወላ ሓደ ሰብ ብዘይ ቪዛ ክኽይድ ኣይክእልን። | |||
sous | ሱ | ትሕቲ | |
les bagages est sous le lit / እቲ ባላጃታት አብ ትሕቲ ዓራት ኣለዉ። | |||
en | ኣ | ኣብ (ዉሽጢ) | |
les musiciens habitent en ville. / እቶም ሙዚቀኛታት ኣብቲ ከተማ ውሽጢ እዮም ዝነብሩ። | |||
sur | ሱኽ | ኣብ/ካብ | |
sept sur dix sont ici / ሸዉዓተ ካብ ዓሰርተ እብዚ ኣለዉ። | |||
entre | ኣንትኸ | ኣብ መንጎ | |
je vais venir entre une ou deux heures... / ኣብ መንጎ ሓደ ወይ ድማ ክልተ ሰዓት ክምጽእየ። | |||
vers | ቨኽ | ገጹ/ገጻ | |
L'avion devrait décoller vers 9 heures. / እታ ኣየር ሰዓት ትሻዓተ ገጻ ኣቢላ ክትኸይድ እያ። | |||
environ | ኣንቪኾን | ዳርጋ / አጋ / ኣብ መንጎ | |
Je viendrai dans environ 2 jours / ኣብ ዉሽጢ ዳርጋ ክልተ መዓልቲ ክመጽእየ። |