Tigrigna
English
Español

ሓጺር መግለጺ ፕሪፖዚሽን (መስተዋድድ)

ፕሪፖዚሽን (መስተዋድድ) ዳርጋ ኩልጊዜ ንቦታን ጊዘን ዝገልጹ ቃልት እዮም። ኣብነት ኣብ ትግርኛ ከም ኣብ፤ ጥቓ፤ ድሕሪ፤ ቅድሚ፤ ብ..፤ ናብ ዝብሉ ቃላት እዮም፥ ምሰተዋድድ ምፍላጥ ኣብ ቦታን ኣንፈት ናይ መገድን ወይ ከኣ ሰዓታን ጊዜን ንምሕታት/ምፍላጥ ኣዝዮም ይጠቕሙና።

እዞም ዝስዕቡ ካብቶም ኣገደስትን ኣብ መዓልታዊ ናብራና ብብዝሒ ክንጥቀመሎም መስተዋድድ እዮም።

ፕሪፖሲሺን (መስተዋድድ) ኣደማምጻ ብትግርኛ ትርጉም
à ናብ
Je vais à Paris / ናብ ፓሪስ ክኽይድየ።
à côté de ኣ ኮቴ ደ ጥቓ / ኣብ ጥቓ
La maison se trouve à côté de l'église. / እታ ገዛ ጥቓ እቲ በቴ-ክርስትያን ትርከብ።
après ኣፕኸ ድሕሪ
On va mange après avoir bu. / ድሕሪ መግቢ ኢና ንሰቲ።
jusqu'à ዡስ ካ ክሳብ
La maison est disponible jusqu'à la fin de la semaine / እታ ገዛ ክሳብ መወዳእታ እዚ ሰሙን ቅርብቲ/ድልውቲ እያ።
avant ኣቫን ቅድሚ
Je préfère de me coucher avant minuit. / ቅድሚ ፍርቂ ለይቲ ምድቃስ ይሕሸኒ
loin de ልዋን ደ ርሕቕ ዝበለ
L'école est loin de la plage / እቲ ቤት-ትምህርቲ ካብቲ ገምገም ባሕሪ ርሕቕ ዝበለ እዪ።
avec ኣቬክ ምስ
Ils sont partis avec leurs familles / ንሶም ምስ ናቶም ቤተ-ሰብ ከይዶም።
malgré ማልግኼ ወላኳ
Je vais bien malgré le froid / ቁሪ ወላኳ እንተኾነ፣ ኣነ ጽቡቕ ኣለኹ
contre ኮንትኸ ምስ / ኣንጻር
l'homme s'appuyer contre le mur. / እቲ ወዲ ኣንጻር/ምስቲ መንደቕ ተጸጊዑ
par ፓኽ
contacter moi par téléphone. / ብ ቴሌፎን ርኸቡኒ።
dans ዳን ኣብ ዉሽጢ
Les livres sont dans la bibliothèque / እቶም መጻሕፍቲ ኣብቲ ላይብረሪ ዉሽጢ ኣለዉ
parmi ፓኽሚ ኣብ መንጎ
Paris reste parmi les villes les plus chères au monde. / ፓሪስ ኣብ መንጎ እተን ክባራት ከተማታት ናይ ዓለምና ትርከብ።
de ካብ፣ ናይ
le livre de Hana / je viens d'Erythrée / እቲ መጽሓፍ ናይ ሃና.. / ኣብ ካብ ኤርትራ እየ ምጺአ።
pendant ፐንዳ ን (ንእዋን ዝምልከት)
La lune a brillé pendant trois nuits. / እታ ወርሒ ን ሰለስተ መዓልታት ጎሊሓ።
depuis ደፒ ካብ
depuis demain.. / ካብ ጽባሕ ንዳሕራይ
pour ፑኽ
Je l'ai fait pour toi. / ን ዓኻ/ኺ ኢለ እየ ስሪሐያ።
derrière ደኽየኽ ድሕሪ / ብድሕሪት
les enfants sont derrière l'ècole. / እቶም ቆልዑ ድሕሪ እቲ ቤት-ትምህርቲ ኣለዉ።
près de ፕረ ኸ ጥቓ / ኣብ ጥቓ
La femme est près de la mairie bibliothèque. / እታ ጓል ኣብቲ ጥቓ እቲ ቤተ-ምጽናዕቲ ኣላ።
devant ደቫ ብቕድሚት
Garder les yeux sur la route devant vous. / ዓይንኻ ናብቲ ቅድሜኻ ዘሎ ጽርግያ ግበር።
sans ብዘይ / ብጀካ
personne ne peut pas aller sans visa. / ወላ ሓደ ሰብ ብዘይ ቪዛ ክኽይድ ኣይክእልን።
sous ትሕቲ
les bagages est sous le lit / እቲ ባላጃታት አብ ትሕቲ ዓራት ኣለዉ።
en ኣብ (ዉሽጢ)
les musiciens habitent en ville. / እቶም ሙዚቀኛታት ኣብቲ ከተማ ውሽጢ እዮም ዝነብሩ።
sur ሱኽ ኣብ/ካብ
sept sur dix sont ici / ሸዉዓተ ካብ ዓሰርተ እብዚ ኣለዉ።
entre ኣንትኸ ኣብ መንጎ
je vais venir entre une ou deux heures... / ኣብ መንጎ ሓደ ወይ ድማ ክልተ ሰዓት ክምጽእየ።
vers ቨኽ ገጹ/ገጻ
L'avion devrait décoller vers 9 heures. / እታ ኣየር ሰዓት ትሻዓተ ገጻ ኣቢላ ክትኸይድ እያ።
environ ኣንቪኾን ዳርጋ / አጋ / ኣብ መንጎ
Je viendrai dans environ 2 jours / ኣብ ዉሽጢ ዳርጋ ክልተ መዓልቲ ክመጽእየ።