እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም
እዚ ዌብሳይት'ዚ ንጀመርቲ ትምህርቲ ቋንቋ ፈረንሳ ከም ተወሳኺ ሓገዝ ኣብ ስዊዘርላንድ ንዝርከቡ ኤርትራዉያን ትባሂሉ ዝተሃነጸ እዩ። እዚ ማለት ከኣ ትሕዝቶን ትምህርትን እዚ ዌብሳይት ነቶም ዝመሃሩ ተወሳኺ ሓገዝ ወይ’ውን ነቶም ጋና ትምህርቶም ደይጀመሩ፤ ቁሩብ ቃላት ንኽሕዙ ደኣምበር ከም መተካእታ ትምህርቲ ኮይኑ ንኸገልግል ኣይኮነን። ንተወሳኺ መረዳእታ ብዛዕባ ትሕዝቶ፤ ዕላማን እዚ ዌብሳይት፣ ኣብ ታሕቲ ኣንብቡ።
ሓጺር መረዳእታ ብዛዕባ ቋንቋ ፈረንሳ
ፈረንሳይኛ ሓደ ካብቶም ኣገደስቲ ቋንቋታት ናይ ዓለምና ተባሂሎም ዝጥቀሱ እዩ፤ ኣብዚ እዋን ቋንቋ ፈረንሳ ብ ልዕሊ 265 ሚልዮን ህዝቢ ኣብ ውሽጢ 29 ሃገራት ከም በዓል፤
ከም ቀዳማይ ወይዉን ካልኣይ ቋንቋ ይጥቀሙሉ። ከምኡዉን ኣብ ሃገራት ኤዉሮጳ ጥራይ ከባቢ 70 [1] ሚልዮን ህዝቢ ይዛረበሉ። እዚ ማለት ከኣ ኣብ ኤዉሮጳ ጥራይ ቋንቋ ፈረንሳ ብብዝሒ ተዛረብቲ ከም ካልኣይ [2] (ድሕሪ ቋንቋ ጀርመን; ቅድሚ እንግሊዘኛ)፣ ኮይኑ የገልግል።
ብዛዕባ ኣስተምህሮ ኣብዚ ዌብሳይት
ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ፣ እዚ ዌብሳይት መተኣታተውን ከም መጀመርታን ዝኸዉን ሓበረታ ጥራይ ንጠቀመሉ። ገለ ኣገደስቲ እንብሎም ሓበረታ ወይ’ውን መልእኽቲ ከምዚ ዝስዕቡ እዮም፡
ቋንቋ ፈረንሳ ብልዑል ተገዳስንትን ጻዕርን ኣብ ሓጺር ግዜ ዝምለኽ እኳ አንተኾነ፣ እቲ ዝብለጸ ኣንፈት ግና ብኣገባብ መገዲ ሰዋሰው (ግራመር) ክትመሃሮ እዮ። ኣብዚ መርበብ ትምህርቲ ዝኾነ ዘይተረደኣኩም ጽሑፍ ይኹን ኣብነት ምስ እተዕዘቡ ኣብ ታሕቲ ብዘሎ ዓምዲ ሕቶን/ርእይቶን (comment section) ክትሳተፉ ንላቦ።
ዝበዝሐ እዋን፣ ሓደ ሓደ ቃላት ፈረንሳ ብትግርኛ ኣደማምጽ'ኦም ኣጸጋሚ ምስ ዝኸዉን ወይከኣ ጾታዊ ስሞም ንምግላጽ፣ ዝተፈላልዩ ዓይነት ቃላትን ምስላትን ብምሕዋስ ተወሳኺ መግለጺ ተዋሂቡዎም ክትዕዘቡ ኢኹም እዞም ቃላትን ምስላትን ከኣ ከምዚ ዝስዕቡ ይመስሉ/ይኾኑ።
- ብድምጺ ተወከስ ማለት ነቲ ተጠቒሱ ዘሎ ቃል ብትግርኛ መዘና ዝኾኖ ኣብነት ምስ ዘይርከብ ንህቦ መጠንቀቕታ እዩ። እዚ ማለት ከኣ እቲ ቅኑዕ ዝኾነ አደማምጻ ብፊደል ትግርኛ ክግለጽ/ክጸሓፍ ስለዘይከኣል ካብ ድምጺ ክንመሃር ከም ዘለና እዩ ዝሕብር።
- ን ዮ ም እዞም ደቀቕቲ ቃላት እዚኦም ነቶም በፈንጫ ዝድመጽ ዘበላ ቃላት ይሕብሩ። ንምሳለ ኣብ (prends: ፕኻን) ብትግርኛ "ውሰድ" ኣብ ዝብል እቲ ቃል "ን" ክወስኾ ከም ዘለዎ፣ ግና "ን" ፈኩስን፣ በፍንጫ ዝድመጽን ክኽዉን ከም ዘለዎ ይጠቅስ።
- [1] [2] [3] ዝብል ምልክት ንዝበለጸ/ዝሰፍሐን ሓበሬታ ናብ ካልእ ዌብሳይት ክንውከስ ክምንኽእል ይሕብር፡ ንሙሉእ ሓበረታ ድማ ኣብ መወዳእታ ናይቲ ገጽ ክንረኽቦ ንኽእል።
- እዚ ነቲ ዝተገልጸ ስም ብናይ ኣንስታይቲ ጾታ ጥራይ ክጽዋዕ ከም ዘለዎ ይሕብር።
- እዚ ነቲ ዝተገልጸ ስም ብናይ ታባዕታይ ጾታ ጥራይ ክጽዋዕ ከም ዘለዎ ይሕብር።
- እዚ ነቲ ዝተገልጸ ስም ብናይ ብዙሕ/ሕውስዋስ ጾታ ጥራይ ክጽዋዕ ከም ዘለዎ ይሕብር።
-
ነዚ ትዕዝቡዎ ዘለኹም ገጽ ንምሕታም (print) ንምግባር ምስ አትደልዩ ነዚ ምስሊ ክትጥዉቑ ትኽእሉ ኢኹም።
ብተወሳኺ ነዚ ዌብሳይ ምስ ግዜ ዝበለጸ መግለጺታትን፣ ትምህርትን ኣብ ምዉሳኽ ክተተሓባበሩና እትደልዮ ሰባት ናብ info@ferensai.com መልእኽትኹም ክትስደዱ ትኽእሉ ኢኹም