ሓጺር መግለጺ ፕሮናዉን (ክንዲ-ስም)
ፕሮናዉን (ብትግርኛ፡ ክንዲ-ስም) እንብሎ ንሓደ ሽም ዘለዎ ነገር ሰብ ይኹን ኣቕሓ ክንዲ እቲ ናቱ ስም ኮይኑ ንመጸዉዒ ዝጠቕመና ቃል እዮ። ንኣብነት ፡- ልዋም ምዕባይ ሓፍተይ እያ። ኣብ ዝብል ቃል ብዛዕባ ልዋም ደጋጊምና ክንዛረብ ከሎና ኣብ ክንዲ መመሊስና ልዋም እንብል፡ ከም ልዋም ብኽልተ ዓመት እያ ትዓብየኒ፡ ልዋም ኣብ ቤት ጽሕፈት እያ ትሰርሕ፡ ልዋም ትማሊ ምጺኣ ኔራ.... እናበልና ኣብ ክንዲ ንቕጽል ንሳ እንተበልና ይምረጽ። ንኣብነት ንሳ ብኽልተ ዓመት እያ ትዓብየኒ ክንብል ንኽእል
እምበኣርከስ እቲ ፕሮናውን ኢልና ንጽዉዖ ንሓደ ስም ዓሰርተ ጊዜ ንኸይደጋገም ዝጠቕመና ቃል እዪ። ብተወሳኺ ኣብዞም ዝስዕቡ ቃላት
ንሱ ኤርትራዊ እዮ። / እዚ ናተይ ኣይኮነን። / ንሕና ኣብ ሎዛን ንቕመጥ።ኣብ ዝብሉ ቃላት እቶም ንሱ, እዚ , ንሕና ዝብሉ ቃላት ፕሮናዉን (ክንዲ-ስም) ይበሃሉ። ናይ ዝኾነ ስም ተኪኦም/ወኪሎም ስለዘገልግሉ ዘለዉ።
ገለ ካብቶም ጠቐምቲ እንብሎም ፕሮናዉንስ እዞም ዝስዕቡ እዮም ፡-
ፕሮናዉን | ኣደማምጻ ብጽሑፍ | ትርጉም ብትግርኛ |
je | ዠ | ኣነ |
tu | ቱዩ | ንስኻ / ንስኺ |
il | ኢል | ንሱ |
elle | ኤል | ንሳ |
vous | ቩ | ንስ-ኹም/ኽን ( ናይ ኣኽብሮት) / ንስኻት-ኩም/ክን (ንእኩባት) |
nous | ኑ | ንሕና |
ils | ኢል | ንሳቶም (ንብዙሓት ኣወዳት) |
elles | ኤል | ንሳተን (ንብዙሓት ኣዋልድ) |