Tigrigna
English
Español

ሓጺር መግለጺ ፕሮናዉን (ክንዲ-ስም)

ፕሮናዉን (ብትግርኛ፡ ክንዲ-ስም) እንብሎ ንሓደ ሽም ዘለዎ ነገር ሰብ ይኹን ኣቕሓ ክንዲ እቲ ናቱ ስም ኮይኑ ንመጸዉዒ ዝጠቕመና ቃል እዮ። ንኣብነት ፡- ልዋም ምዕባይ ሓፍተይ እያ። ኣብ ዝብል ቃል ብዛዕባ ልዋም ደጋጊምና ክንዛረብ ከሎና ኣብ ክንዲ መመሊስና ልዋም እንብል፡ ከም ልዋም ብኽልተ ዓመት እያ ትዓብየኒልዋም ኣብ ቤት ጽሕፈት እያ ትሰርሕልዋም ትማሊ ምጺኣ ኔራ.... እናበልና ኣብ ክንዲ ንቕጽል ንሳ እንተበልና ይምረጽ። ንኣብነት ንሳ ብኽልተ ዓመት እያ ትዓብየኒ ክንብል ንኽእል

እምበኣርከስ እቲ ፕሮናውን ኢልና ንጽዉዖ ንሓደ ስም ዓሰርተ ጊዜ ንኸይደጋገም ዝጠቕመና ቃል እዪ። ብተወሳኺ ኣብዞም ዝስዕቡ ቃላት

ንሱ ኤርትራዊ እዮ። / እዚ ናተይ ኣይኮነን። / ንሕና ኣብ ሎዛን ንቕመጥ።

ኣብ ዝብሉ ቃላት እቶም ንሱ, እዚ , ንሕና ዝብሉ ቃላት ፕሮናዉን (ክንዲ-ስም) ይበሃሉ። ናይ ዝኾነ ስም ተኪኦም/ወኪሎም ስለዘገልግሉ ዘለዉ።

ገለ ካብቶም ጠቐምቲ እንብሎም ፕሮናዉንስ እዞም ዝስዕቡ እዮም ፡-

ፕሮናዉን ኣደማምጻ ብጽሑፍ ትርጉም ብትግርኛ
je ኣነ
tu ንስኻ / ንስኺ
il ኢል ንሱ
elle ኤል ንሳ
vous ንስ-ኹም/ኽን ( ናይ ኣኽብሮት) / ንስኻት-ኩም/ክን (ንእኩባት)
nous ንሕና
ils ኢል ንሳቶም (ንብዙሓት ኣወዳት)
elles ኤል ንሳተን (ንብዙሓት ኣዋልድ)