ሓጺር መግለጺ ናዉን (ስም)
ናዉን እንብሎ ብሓጺሩ ሽም ናይ ዝኾነ ነገር እዩ። ንኣብነት መንበር, ሻሂ, ጸባ, ባኒ, ቢንቶ, ዓሳ, ፍኒስትራ, ማይ, ጥርሙዝ ኩሉ ሽም ዘለዎ ዘበለ ነገር፣ እቲ ሽም ኣብ ግራመር ናዉን ተባሂሉ ይጽዋዕ ኣብ ፈረንሳይ ሓደ ናዉን (ሽም) ወይ ብጾታ ናይ ኣንስተይቲ ወይከኣ ተባዕታይ ይጽዋዕ፥ እዚ ማለት ከም ትግርኛ ሓንቲ ጣዉላ፣ ሓደ ዓራት ኢልና ንጽዉዖም እዩ፡ እቲ ፍልልይ፣ ኣብ ትግርኛ ከም ድሌትና ሓደ ጣዊላ፣ ወይከኣ ሓንቲ ዓራት ክንብል ንኽእል እኳ እንተኾንና፣ ኣብ ፈረንሳይ ግን ኩሉ ሽም ነናቱ ጾታ ኣለዎ።
ንኣብነት ኣብ ቋንቋ ፈረንሳይ ባኒ ናይ ተባዕታይ ሽም ክወስድ እንከሎ le pain/ እቲ ባኒ ማንካ ግን ብናይ ኣንስተይቲ ሽም ጥራይ እያ ክትጽዋዕ ትኽእል la cuillère / እታ ማንካ
ናይ ሓደ ስም ከመይ ጌርካ ናቱ ጾታዊ ኣጸዋዉዓ ብሕጊ ዝተመስረተ ስለዘይኮነ ንኽትፈልጦ ኣጽጋሚ እዩ፡ ዝበዝሕ እዋን ግና እቲ ስም ብ -eau, -eaux, -age -ment ምስ ዝውድእ እቲ ሽም ብናይ ተባዕታይ ይጽዋዕ ማለት እዩ፥ ብተመሳሳሊ ሓደ ስም ብ -e, -ure, -ence, -ance, -té, and -ette, -ion ብፍላይ -sion, tion ምስ ዝዉድእ ከኣ ብናይ ኣንስተይቲ ጾታ ይጽዋዕ
ብተወሳኺ ኣብ ዘረባ ወይ ኣብ ጽሑፈ ነቲ ናዉን በቲ ናቱ ኣርቲክል ተመርኵስና ናቱ ጺታዊ ኣጸዋዉዓ ክንፈልጦ ንኽእል ኢና፥፥
እዚ ማለት ቅድሚ እቲ ብ le, un ከም le foot (ኩዕሶ እግሪ), un crayon(ሓደ ርሳስ) ምስ ዝጅምር እቲ ሽም ናይ ተባዕታይ ኣጸዋዉዓ ኣለዎ ንብል፥፥ ከምኡዉን ብ la, une ምስ ዝጅምር ይምልከት እቲ ስም ናይ ጓል ጾታዊ ኣጸዋዉዓ ኣለዎ ማለት እዩ፥ ንዝተፈለለዮ ኣስማት ንምዕዛብ ኣብ ኣገደስቲ ቃላት ዝብል ርኣዩ