Tigrigna
English
Español

ሓጺር መግለጺ ኣርቲክል (ኣመልካቲ-ስም)

ኣርቲክል ንብሎ ንሓደ ስም፥ ዓቐኑ ወይ ድማ እንታይነቱ ዝገልጽ ቃል እዩ። እዞም ቃላት ኣዚኦም ዝበዝሕ ጊዘ ብትግርኛ ሓደ፣ ሓንቲ፣ እተን፤ እቲ፤ እታ፤ እቶም ኢልና ንጥቀመሎም ኦዮም። ንኣብነት ሓደ ስረ፣ ሓንቲ ገዛ፤ እተን ኮምፒተራት፥ እቲ ሰብኣይ፥ እታ ዓራት እንዳበሉ መግለጺ ንምሃብ ይጠቕሙና፤፤ ኣርቲክል ዝበዝሐ ጊዜ ቅድሚ ሓደ ናዉን ይስራዕ።

ኣብ ፈረንሳ 4 ዓይነት ኣርቲክል እኳ እንተለዉ፣ ሕጂ ግና እቶም ክልተ ኣገደስቲ ጥራይ ኢና ንዕዘብ። እዚኦም ድማ Definite (ፍሉጥ) , Indefinite (ዘይፍሉጥ) ኣርቲክል ይበሃሉ፣ እቶም ፍሉጥ እንብሎም፣ ነቶም ንፈልጦም ነገራት ንምጽዋዕ ዝጠቕሙና ቃል ክኽዉን ከሎ እቶም ዘይፍሉጥ ወይድማ (Indefinit) አርቲክል እንብሎም ከኣ ብ ኣብጻሩ ነቶም ዘይንፈልጦም ነገራት ንጥቕሰሎም ቃላት እዮም።

ንፈልጦን ዘይንፈልጦን ክንብል ከሎና ንኣብነት እታ ስረ ሽይጠያ። ዝብል ሓሳብ ምስሓንቲ ስረ ሸይጠ። ከነወዳድሮ ከለና፣ ኣብቲ ቀዳማይ ዘረባ ብዛዕባ ቅድሚ ሕጂ ዝተዛረብናላ ስረ ወይከኣ ንፈልጣ ስረ ክትከዉን ከምትኽእል ይገልጽ፣ ሓንቲ ስረ ሸይጠ እንተ ኢልና ግና፣ ቅድሚ ሕጂ ዘይራእናያ ክትከዉን ትኽእል እያ። ኣብ ትግርኛ ንፍሉጥ ነገራት ብ እታ፣ እቲ፣ እቶም፣ እተን፣ ዝብሉ ቃላት ኣቐዲምና ክንጥቕሶም ንኽእል ኢና፤ ንዘይተፈልጡ ከኣ ሓደ፡ ሓንቲ፡ ... ታት (ኩዕሶታት) ብምዉሳኽ ክንሰርሖም ንኽእል

እዞም ዝስቡ ኣብ ቋንቋ ፈረንሳ definit/indefinit ኣርቲክል (ኣመልካቲ-ስም) ንብሎም እዮም

Definit Article (ፍሉጥ ኣርቲክል)
ተባዕታይ (ንወዲ) le / እቲ le roi / እቲ ንጉስ
ኣንስታይ (ንጓል) la / እታ la voiture / እታ መኪና
እኩባት (ነዋልድን ኣወዳትን) les / እቶም/እተን les enfants / እቶም/እተን ቆልዑ
Indefinit Article (ዘይፍሉጥ ኣርቲክል)
ተባዕታይ (ንወዲ) un / ሓደ un film / ሓደ ፈልም
ኣንስታይ (ንጓል) une / ሓንቲ la poule / ሓንቲ ደርሆ
እኩባት (ነዋልድን ኣወዳትን) des /*ታት des pantalons / ስረታት

ካብዚ ሓደ ነገር እንዕዘቦ ኣብ ትግርኛ፤ ንሓደ ስም ብኽልተ ጾታዊ ኣጸዋውዓ ክንሰምዮም ንኽእል ኢና፤ ኣብ ቋንቋ ፈረንሳ ግና፤ ኩሉ ስም ዘለዎ ዘበለ ነናቱ ጾታ ኣልዎ፤ እዚ ማለት ድማ ኣብ ትግርኛ ሓደ ደርሆ ወይከኣ ሓንቲ ደርሆ ምባል ቅኑዕ እኳ እንተኾነ ኣብ ፈረንሳይኛ ግና ደርሆ ሓደ ካብቶም ብ ኣንስታይ ጾታ ስለትጽዋዕ እታ ደርሆ፤ ሓንቲ ደርሆ እምበር እቲ ደርሆ፤ ሓደ ደርሆ ክንብል ቅኑዕ ኣይኮነን።

ካልኣይ ኣገዳሲ ነጥቢ ከኣ፤ ኣብ ትግርኛ ብዘይ ኣርቲክል፤ ስም ኣቐዲምና ዝኾነ ሓሳብ ክንምስርት ዝከኣል እኳ እንተኾነ ንኣብነት (ከልቢ እሙን እንስሳ እዩ) ወይከኣ ጸባ ኣደ ጥዕና ይህበና ኣብ ቋንቋ ፈረንሳ ግን ኩሉ ስም ዘበለ ብቕድሚት ኣርቲክል ክህልዎ ኣለዎ ስለዚ እቲ ቅኑዕ ኣዘራርባ ካብቶም ኣብ ላዕሊ ዘለዉ ኣርቲክል እቲ ዝቃደው መሪጽካ ቅድሚ ከልቢ ዝብል ቃል ብምዉሳኽ እዩ፥ ንኣብነት ሓደ ከልቢ እሙን እዩ (un chien est fidèle) ወይከኣ እቲ ከልቢ እሙን እዩ (le chien est fidèle)

ብተውሳኺ ኣብ ፈረንሳይኛ እቲ ኣርቲክል እንብሎ ምስቲ ስም ብቑጽርን ብጾታን ክሰማማዕ ኣለዎ፥፥ እዚ ማለት ከኣ እቲ ስም ብዝሒ ዘለዎ ነገራት ዝገልጽ እንተኾይኑ ከም ክዳውንቲ (vetement) ኣብ ፈረንሳይኛ ንብዝሒ ዝገልጽ ኣርቲክል ጥራይ ኢና ክንጥቀም ንኽእል፥ ስለዚ እቲ ክዳዉንቲ ክንብል ኣይንኽእልን፤ "እቲ" ዝብል ኣርቲክል ንሓደ ነገር ጥራይ ስለዘመልክት፤ እቲ ግቡእ እቶም ወይ ከኣ እተን ክዳዉንቲ (ከከም ጾታ ናይቲ ስም) ጥራይ ኢና ክንብል ንኽእል